Informations en tigrinya

መራኸቢ ማእከል ቤት ትምህርትን ስድራ ቤት ስደተኛታትን (SCEPM) ዕላምኡ እንታይ ኢዩ?

አገልግሎት ርክብ ቤት ትምህርትን ወለድን ፍሪቡርግ ዝቆመሉ መሰረታዊ ዕላማ አብ መንጎ ቤት ትምህርትን ስድራ ቤትን ክህሉ ዝግብኦ ርክብ ምድልዳል ጉዳይ ስደትን አብ ፍሪቡርግ ብዛዕባ ዝርከባ ቤት ትምህርትታት ምክትታል ኢዩ።

እዚ ማእከል ካብ ዝህቦ አገዳሲ ጥቅሚ ብዋንነት አገልግሎት ምኽሪ ትምህርቲ ምሐብ ክኸውን እንከሎ ተጠቀምቲ እዚ አገልግሎት ባህሎም ኮነ ልምድን ቋንቁኦም አገዳሲ አይክኸውንን ኢዩ። ስድራ ቤት ብዛዕባ ትምህርቲ ሕቶ ምስዝህልዎም ነዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ክውከስዎ ይኽእሉ ኢዮም።

እዚ ኃላፍነት ዝተነበረሉ ውልቀሰብ ስድራ ቤት ኾኑ መማሃራን ኣብ ዝኾነ ጊዜ ምርኻብ ምስዝደልዩ ንኽተሓባበሮም ዱሉው ኢዩ።

እዚ ዝስዕብ ተዘርዚሩ ዘሎ ጉዳይ ምስ እትደልዩ

  • ብዛዕባ ኣገባብ ቤት ትምህርቲ ከተማ ፍሪቡርግ ሓበሬት ምስ እትደልዩ?
  • ምስ መምህር ውላድኩም ክትዛራረቡ ምስ እትደልዩ ?
  • ብዛዕባ ዘገድሰኩም ጉዳይ ምስ ሓደ ኪኢላ ክትዛራረቡን ሓበሬታ ክትረኽቡ ምስ እትደልዩ?
  • ውላድኩም አብ ዝኸዶ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሙ ጸገማት ክትዘራረቡን ክትረዳድኡን ምስእትደልዩ?
  • ብዛዕባ ውላድኩም ንምዝርራብ ኮነ ሓገዝ ሰብ ሙያ ትምህርቲ ንኽግበረልኩም
  • ከተመልክቱ ምስ እትደልዩ? ብዛዕባ ዘለኩም ጸገማት ደገፍ፣ መግለጺ ወይ ከአ ምኽሪ ምስ እትደልዩ?

ብዘይምጥርጣር ንዓና ተወከሱ! ምሳና ተዘራረቡ ንሕናውን ብዝተኻእለና መጠን ክንሕግዘኩም ክንፍትን ኢና። በቲ ንህቦ አገልግሎት እንተዘይ ዓጊብኩም“ውን ንዝምልከቶ ውልቀ ሰብ ወይ ቤት ጽሕፈት ክትውከሱ ትኽእሉ።

ክትረኽቡና ምስ እትድልዩ አድራሻና

ናይ ቀደም ሆስፒታል ፍሪቡርዧ
ዋና መእተዊ
2ይ ደርቢ/ቑጽሪ ቤት ጽሕፈት 215
ፊት ንፊት ሴክረታሪያት

Service des Ecoles
Rue de l’Hôpital 2 1700 Fribourg
scepm [at] ville-fr [.] ch (scepm[at]ville-fr[dot]ch)
026 351 73 48

ሓበሬታ ብዛዕባ ጎሓፍን ኣጠቓቅሙእን